Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክትታት መስተ ማይ ንምዝዛም ዘኽእል ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 33 ስሩዕ ጉባኤኡ ፕሮጀክትታት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ንምዝዛም ዘኽእል ኣዋጅ ስምምዕነት ልቓሕ ፀዲቑ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ንካልኣይ ግዘ ፕሮጀክት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ንምዝዛም ዝግበር ስምምዕነት ኣዋጅ ልቓሕ ኢዩ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ዋና ተፀዋዒ ሚኒሰትር መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ፥ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተረኸበ 275 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ካብ ወለድ ናፃ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ልቓሕ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ምፍላም ዘለዉ ፕሮጀክትታት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ከተማታት ንምዝዛም ከምዝሕግዝ እውን ተዛሪቦም።

ብየሻምበል ምሕረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.