Fana: At a Speed of Life!

መሰልጠኒ ኮንቲንጀንት ሁርሶ መሰረታዊ ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መሰልጠኒ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቤት ትምህርቲ ኮንቲንጀንት ሁርሶ ብመሰረታዊ ወተሃደርነት ዘሰልጠኖም ወተሃደራት የመርቕ ኣሎ።

እቲ ማእኸል ዘመርቖም ዘሎ ወተሃደራት ሻምናይ ዙር ሰልጠንቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ተመረቕቲ ኣብ ፃንሒቶም ዝሓዝዎ ወተሃደራዊ ስልጠና ክልሰ ሓሳብን ተግባርን ብተግባር የርእዩ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ሓላፊ ዋና መምርሒ ሓይሊ ሰብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሌተናል ጄኔራል ኣጫሉ ሸለመ፣ ካልኦት ወተሃደራዊ መኮንናት፣ ኣባገዳታትን ካልኦት ተወከልቲ ማሕበረሰብን ተረኺቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.