Fana: At a Speed of Life!

ክሮሺያን ኣልባኒያን ክልተ ማዕረ ተፈላለየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ 2024 ሃገራውያን ጋንታታት ክሮሺያን ኣልባኒያን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ብወገን ኣልባኒያ ላቺ ኣብ መበል 11 ደቒቕን ሆሱላ ኣብ መበል 95 ደቒቕን ሸቶ እንተመዝግቡ÷ ናይ ክሮሺያ ድማ ክራማሪች ኣብ መበል 74ን ሆሱላ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) ኣብ መበል 76 ደቒቕን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ኣብ ቀዳማይ ፀወታ ምድብ ክሮሺያ ብስፔን 3 ን 0 ከምኡ እውን ኣልባኒያ ብጣልያን 2 ን 1 ከምዝተሰዓራ ይዝከር፡፡

ፀወታታት ፅዋዕ ኣውሮፓ ቀፂሎም ምሸት ሰዓት 1 ኣሰናዳኢት ሃገር ጀርመን ምስ ሃንጋሪ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ብጀርመን 5 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ዝተሰዓረት ስኮትላንድ እውን ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምስ ስዊዘርላንድ ክትፃወት ኢያ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.