Fana: At a Speed of Life!

ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ሎሚ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታ ምዝዛሙ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታታት ክጅመሩ ኢዮም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ብስፔን 3 ን 0 ዝተሰዓረት ክሮሺያ ብጣሊያን 2 ን 1 ምስ ዝተሰዓረት ኣልባኒያ ቀትሪ ሰዓት 10 ክራኸባ ኢየን፡፡

ምሸት ሰዓት 1 ድማ ኣሰናዳኢት ሃገር ጀርመን ምስ ሃንጋሪ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ሃንጋሪ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ብስዊዘርላንድ 3 ን 1 ዝተስዓረት እንትትከውን÷ ጀርመን ድማ ንስኮትላንድ 5 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ነቲ ምድብ እናመርሐት ትርከብ፡፡

ምሸት ሰዓት 4 ስዊዘርላንድ ምስ ስኮትላንድ ዝገብረኦ ፀወታ እውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኢዩ፡፡

ኣብ ምድብ ሓደ ጀርመን ንስዊዘርላንድ ኣኸቲላ ቀዳመይቲ እንትትከውን÷ ኣብ ምድብ ክልተ ድማ ስፔን ኣብ ቀደማይ ደረጃ ፤ ጣልያን ካልኣይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.