Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዒድኣ ል-ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2016(ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 1 ሽሕን 445 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡

እቲ በዓል ሰላትን ተክቢራን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽባር ዝተረኸቡ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር÷ “እቲ በዓል ጎረባብትና ብምሕታት፣ ንዝጎደሎም ብምምላእ ንዝሰኣኑን ዝተፀገሙን ወገናት ብምሕጋዝ ካብ ማንም ንላዕሊ ድማ መኣዲ ብምክፋል ብሓባር ክነሕልፍ ይግባእ” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.