Fana: At a Speed of Life!

ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ቀጣናዊ ዝምድናን ናይል ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሳልሳይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ቀጣናዊ ዝምድናን ናይል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ብኣሰናዳእነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፣ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢን ከምዝሳለጥ ዘሎ ተሓቢሩ።

“ሓበራዊ ሃፍቲ ንሓበራዊ መፃኢ እዋንን ሓበራዊ ምዕባለን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታ ማይን ኢነርጂን ሱልጣን ወሌ(ዶ/ር ኢ/ር)፣ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩን ካልኦት ኣካላትን ተረኺበም።

እቲ መድረኽ፥ ኣብ ፍትሓዊ ተረባሕነትን ቀጣናዊ ዝምድናን ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ብዛዕባ ዝህሉ መትሕብባርን ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ክዝተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.