Fana: At a Speed of Life!

ም/ቀ/ሚ ተመስገን ኣብ ዝተረኸቡ ዓወታትን ምዕባለታትን ደው ምባል ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡ ዓወታትን ምዕባለታትን ደው ምባል ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም።

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚን ቀንዲ ቀንዲ እቲ ዓውዲን ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ቀሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣይተ ተመስገን፥ ምዕባለ ሃገር ዕላዊ ንምግባር ዘይተበታተኸ ስራሕ ይሓትት ኢሎም።

ፀጋ ሃገር ዝተገንዘበ ኣረኣእያ፣ ዓወት ምሕላው ዘይኮነስ ዝተረኸበ ዓወት ንምቕፃል መስራሕ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓውዲ ዝተረኸበ ዓወት ሓበራዊ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ንዝሓሸ ዓወት ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ናይ መንግስቲ ቀፀልቲ ዓምዲታት ዝተብሃሉ ጉዳያት፥ ምስሳን ፍሪያት፣ ስራሕቲ ሪፎርም ምቕፃል፣ ኣተኣማማኒ ሰላም ምርግጋፅን ፍሪያት ትውልዲ ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲን ጥዕናን ምጥንኻር ኢዮም ኢሎም።

መንግስቲ ነቶም ስራሕቲ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ንምትግባር ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት እዚ እዋን ክሳብ 30 ሰነ ስራሕቲ ምስ ምስራሕ ጎኒ ንጎኒ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንግምግመሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.