Fana: At a Speed of Life!

ክፍለ ሰራዊት ሓለዋ ሓይሊ ኣየር ካብ ድሕንነት እቲ ትካል ሓሊፉ ሰላም ከባቢኡ እናረጋገፀ ይርከብ – ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክፍለ ሰራዊት ሓለዋ ሓይሊ ኣየር ካብ ድሕንነት እቲ ትካል ሓሊፉ ሰላም ከባቢኡ እናረጋገፀ ከምዝርከብ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጄነራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሓለዋ እቲ ክፍለ ጦር ከምዝበሉዎ÷ ንባዕሉ፣ ትካሉን ሃገሩን ዝጠቅም ከምኡ እውን ዝተውሃቦ ወፍሪ ብግቡእ ክዋፃእ ዝኽእል ጥንኩር ሓይሊ ወሳኒ ኢዩ፡፡

እቲ ሰራዊት እዚ ልኡኽቶ ብምግንዛብ ፍፁም ብዝኾነ ወታደራዊ ዲሲፕሊንን ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ልኡኽትኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዳይሬክተር ህንፀት ስነ ልቦና ሰራዊት ሓይሊ ኣየር ኮሎኔል ተሾመ በዳዳ ብግደኦም÷ እቲ መድረኽ ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ሕዚ ዝፈፀሞም ገድሊታትን እናጋጠሙዎ ዝርከቡ ማሕለኻታትን ንምፍታሽ ከምዘኽእል ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.