Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ሓገዝቲ ሓበሬታታት ትምህርቲ ብናፃ ምቕራቡ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ተምሃሮን መምህራንን ላዕለዎት ትካላት ትምህርት ትምህርታዊ ሓበሬታታት ብናፃ ንክረኽቡ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቶም ሓበሬታታት ምስ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ተተሓሒዙ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ምቁራፁ ስዕቡ ዝተሰናድኡ ምዃኖም እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ገፁ ብዝጠቀዖ ሓበሬታ ገሊፁ።

ተምሃሮን መምህራንን ላዕለዎት ትካላት ትምህርት ሓገዝቲ ሓበሬታታት ትምህርቲ ኣብ መርበብ ሓሬታ http://ndl.ethernet.edu.et/ ብናፃ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

እቲ መርበብ ሓሬታ ካብ 21 ጉንበት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኢዩ በቲ ኩባኒያ ቀሪቡ ዘሎ።

ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ዝምልከቱ እዋናዊ ሓበሬታታት ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢን ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ዝወፅኡ ሓበሬታታት ኣዳሊዩ ብናፃ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.