Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን12 ምሁራን መዓርግ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ን12 ምሁራን መዓርግ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቶም ሙሁራን መዓርግ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ዝተውሃቦም ብውፅታውነት ምስትምሃር፣ ብዘሕተሙዎም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፣ ንማሕበረሰብ ብዘበርከቱዎ ኣካዳሚያዊ ኣገልግሎትን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝነበሮም ትካላዊ ምምሕዳርን ድምር ውፅኢት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፡-

ፕሮፌሰር ይምጡበዝናሽ ወ/ኣማኑኤል ብሜዲካል ማይክሮ ባዮሎጂ

ፕሮፌሰር ኣንተነህ በለጠ ብፍርማሴዩቲክስ

ፕሮፌሰር ካሳሁን ተስፋዬ ብፕላንት ጄኔቲክስ

ፕሮፌሰር ኣህመድ ሁሴን ብኣናሊቲካል ኬሚስትሪ

ፕሮፌሰር ታደሰ እጓለ ብማይክሮባዮሎጂ

ፕሮፌሰር ተክለሀይማኖት ሃ/ስላሴ ብፕላንት ባዮቴክኖሎጂ

ፕሮፌሰር ተሾመ ሰንበታ ብኮንደንስድ ማተር ፊዝክስ

ፕሮፌሰር እንጉዳይ ኣደመ ብመፅናዕቲ ካሪኩለም

ፕሮፈፌሰር ሃብቴ ተኪኤ ብሜዲካል ኢንቶሞሎጂ

ፕሮፌሰር ቃላብ ባዬ ብሂዩማን ኒውትሪሽን

ፕሮፌሰር ሰለሞን ሙሉጌታ ብኣርባን ፕላኒንግ

ፕሮፌሰር ሙሉጌታ ፍሰሃ ብመፅናዕቲ ፖሊዮኢንቨሮመንታል ሙሉእ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ተዋሂቦም።

ናብ ሙሉእ ፕሮፌሰርነት ካብ ሞንጎ ዝዓበዩ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ምሁራን ዝርከበኦም ምዃነን ሓበሬታ እቲ ዩኒቨርሲቲ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.