Fana: At a Speed of Life!

ዓሞቕቲ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ብምልማዕ ተመፅትነት ንምትራፍ ዘኽእል ስራሕ እናተሰወገነ ይርከብ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓሞቕቲ ሃፍቲታት ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ብምልማዕ ተመፅትነት ንምትራፍ ዘኽእል ስራሕ እናተሰወገነ ከምዝርከብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ናይ መወዳእታ 100 መዓልቲታት እዚ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ÷ እቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልቲታት ኣብ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚን ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታትን ዘድሀበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ መስኖ ሓጋይ፣ ልምዓት ሩዝን ሓፈሻዊ ልምዓት ዝራእቲን ልዑል ፍርያት ከምዝተረኸበ ፀሪሖም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት እውን ሕድሕድ ስድራቤት ዝተመጣጠነ ምግቢ ምሽፋን ንኽኽእልን ባህሊ ኣመጋግቡኡ ንኽልውጥን ዝገብር ምዕራፍ ከምዝተኸፈተ ተዛሪቦም።

ብእኽሊ ምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ኢኒሼቲቫት ካብ ምትግባር ሓሊፉ ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ብምፍጣር ናብ ልምዓት ቆሪፁ ንኽለዓል በቢክልሉ ሰፋሕቲ መድረኻት ከምዝተሳለጡ እውን ተዛሪቦም።

“ታሪኽ ተመፅዋትነት ኢትዮጵያ ንኸብቅዕ ምስ ፃዕራም ህዝቢና ብምዃን ዘሎ ልሙዕ ሓመድን ማይን ተጠቒምና መፍረያይነት ንምዕባይ ቀትሪን ለይቲን ንምስራሕ ተላዒልና ኢና” ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር።

ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘሎ ውፅኢታዊነት ንምዕባይ ዓቕሚ ፋብሪካታት ብዕፅፊ ናይ ምዕባይ ስራሕ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.