Fana: At a Speed of Life!

መተግበሪ ፍኖተ ካርታ ሕጊታት ስነ-ስርዓትን ፍረ ነገርን ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ይሰናድኡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንምትግባር ኣብቲ ኣዋጅ ዝተፀርሑ ትካላት ንምጥያሽ ዘኽእሉ ሕጊታት ስነ-ስርዓትን ፍረ ነገርን እናተሰናድኡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ናይ መወዳእታ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልቲታት እዚ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ በዚ ድማ ሚኒስቴር ፍትሒ ዘለዎ ኣፈፃፅማ ተገምጊሙ፡፡

ኣብቲ ገምጋማ ስግግር ፍትሒ ምፅዳቕን ኣብ ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ጌዲዮን (ዶ/ር)÷ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ንምስንዳእ መፅናዕቲታት፣ ምይይጣትን ንቑሕ ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላትን ብምክታት ከምዝፀደቐ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፖሊሲ ንምትግባር ዘኽእል ፍኖተ-ካርታ ከምዝወፅአ ብምሕባር÷ ኣብቲ ፖሊሲ ዝተመላኸቱ ትካላት ንምጥያሽ ዘኽእሉ ሕጊታት ስነ-ስርዓትን ፍረ ነገርን እናተሰናድኡ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም፡፡

ዘፈር ፍትሒ ንምምሕያሽ ብብርኪ ፌደራልን ክልልን ተግባራዊ ዝግበሩ ሃገር ለኸ ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን ከምዝወፅኡ እውን ንግዜኢ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.