Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ሸዋ 24 ናይ ገፀር ከተማታትን ቀበሌታትን ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባታት ምዕራብን ደቡብ ምዕራብን ሸዋ 24 ናይ ገፀር ከተማታትን ቀበሌታትን ተቛሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳግም ከምዝተመለሰ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብተን ከባቢታት ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ተፀጊኖም ተቋሪፁ ዝነበረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብምኽንያት እቲ ፀገም ኣገልግሎት ተቋሪፁወን ዝነበራ 18 ከተማታትን ቀበሌታትን ዳግም ኤሌክትሪክ ምርካበን ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.