Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 85 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕን 926 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 85 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ዝተረጋገፁ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ ሓደ ወርሒ ህፃን ክሳብ 65 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 51 ደቂ ተባዕቲዮ 34 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 72 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ካብ ክልል ትግራይ፣ 1 ሰብ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 5 ካብ ክልል ከምኡ̕ውን 3 ሰባት ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ 19 ሰባት ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘለዎም እንትኾኑ፥ 18 ሰባት በቲ ቫይረስ ምስዝተለኸፈ ሰብ ንኽክእ ዝነበሮም ከምኡ እውን 48 ሰባት ድማ ንኽክእ ይኹን ታሪኽ ጉዕዞ ወፃኢ ዓዲ ዘይብሎም ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 257 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ኤካ ኮተቤ ክትትል ሕክምና እናተገበረሉ ዝነበረ ተሓካሚን ካሊእ ተደራቢ ሕማም ዝነበሮን ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ ህይወቱ ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 12 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ሓሙሽተ ሰባት ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሰለስተ ድማ ካብ ክልል ኦሮሚያ ብድምር 8 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 217 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.