Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ንምሃብ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ንምሃብ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

እቲ ፈተና ንልዕሊ 700 ሺሕ ተምሃሮ ብወረቐትን ኦን ላይንን ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ምክትል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ትምህርቲ ተፈራ ፈይሳ፥ እቲ ፈተና ንምሃብ ዘድሊ ምድላው፣ ሕትመት፣ ተፈተንትቲ ተምሃሮ ብስነ ልቦና ናይ ምድላውን ኣብ ዩንቨርስታት ናይ ምምዳብ ዕዮ ክዕየ ምፅንሑ ተዛሪቦም።

ኣፈፃሚ ስራሕ ዲጅታላይዜሽንን ኣይሲቲን እቲ ሚኒስቴር ዘላለም ኣሰፋ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ብኦንላይን ዝፍተኑ ተምሃሮ መስ ቴክኖሎጂ ንክፋለጡ ተዓሊሙ ፈተናታት ብሶፍትዌር ተፃዒኑ ንክለማመዱ ከምዝተገበረ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ፈተና ካብ 3 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ከምዝወሃብ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.