Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ብሓባር ንምዕሳል ቆራፅ ኢያ – ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሰላምን ምዕባለን፣ ኩለመዳይን ዘላቒ ልምዓትን ከምኡ እውን ውፅኢታዊ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ብሓባር ንምዕሳል ቆራፅ ከምዝኾነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ኣብ ሩሲያ ኒዥኒ ኖቭጎሮድ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ሚኒስትራት ዓለም ለኸ ርክብን ጉዳያት ወፃኢን ብሪክስ እናተሳተፉ ዝርከቡ ኣምባሳደር ታዬ÷ ኢትዮጵያ ንኣባልነት ብሪክስ ዓብዪ ቦታ ከምትህብ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ዘለዋ ዕዙዝ ግደ ንምዕባይ ብመንፅር ብሄራዊ ትኹረታት ልምዓታ ዝተወሰዱ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ኣብሪሆም።

እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ረብሐአን ንምሕላው ትካላት በዓል ብዙሕ ወገን መሊስካ ምጥያሽ፣ ፋይናንስ ልምዓትን ስረዛ ዕዳን ምዕባይ ኣድላዪ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሰላምን ምዕባለን፣ ኩለመዳይን ዘላቒ ልምዓትን ከምኡ እውን ውፅኢታዊ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ብሓባር ንምዕሳል ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።

ልምዓት ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ማእኸል ዝገበሩን ሓበራዊ መፍትሒታት ዘመላኽቱን ውፅኢታዊ በዓል ብዙሕ ወገን ርክባት ኣብቲ ኣኼባ ኣፅንኦት ከምዝተውሃቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.