ዩክሬን ተዋጋእቲ ጄታት ዒላማ መጥቃዕቲ ሩሲያ ከይኾና ኣብ ጎረባብቲ ሃገር ከምተፅነሐን ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ካብ ምዕራባውያን መሓዙታ ትቕበለን ኤፍ-16 ተዋጋእቲ ጄታት ዒላማ መጥቃዕቲ ሩሲያ ከይኾና እተን ዝተወሰና ኣብ ጎረባብቲ ሃገር ከምተፅነሐን ከምትኽእል ሓደ ላዕለዋይ ወታደራዊ መኮንን ዩክሬን ተዛሪቦም።
ቤልጂየም፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስን ኖርዌይን ካብ መጥቃዕቲ ሩሲያ ንምክልኻል ልዕሊ 60 ስራሕ ኣሜሪካ ኤፍ-16 ተዋጋእቲ ጄታት ንዩክሬን ንመሃብ ወሲነን፡፡
ኣብረበርቲ ተዋጋእቲ ጄት ዩክሬ እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ርኽክብ ኣቐዲሞም እተን ኣውሮፕላናት ንምብራር ስልጠና እናወሰዱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ኣብ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ሓላፊ ኣቪዬሽን ዝኾኑ ሰርሂ ሆሉትሶቭ÷ “ዒላማ መጥቃዕቲ ሩሲያ ከይኾና ዝተወሰና ኣውሮፕላናት ካብ ዩክሬን ወፃእ ኣብ ዘለዋ ዘተኣማምን ምርፎ ነፈርቲ ኣየር ክፀንሓ ኢየን” ኢሎም፡፡
ይኹን እምበር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን÷ ሃራ እተን ጦር ኣውሮፕላናት ዘተኣናግዳ እንተኾይነን ሞስኮ ኣብ ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት መጥቃዕቲ ክትፍኑ ከምትኽእል ኣጠንቂቖም።
ኤፍ-16 ተዋጋእቲ ጄታት ጦር መሳርሒታት ኒውክሌር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ስለዘለወን ንውግእ ኣብ ንገብሮ ምድላው እዚ ኣብ ግምት ክነእቱ አለና ምባሎም ኤል ቢ ሲ ፀብፂቡ፡፡