Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት 50 ሺሕ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት 50 ሺሕ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብታ ኣህጉር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ናብ ሓደ ሚሊየን ከምዝተፀገዐ እውን ይግለፅ ኣሎ።

ብራዚል፣ ቺሊን ፔሩን እቲ ቫይረስ ብልዑል ብርኪ ዝተስፋሕፈሐለን ሃገራት ኢየን።

ብራዚል 33 ሺሕን 274 ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት እንትተመዝግብ፥ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 514 ሺሕን 992 ክብ ክብል ገይሩዎ ኣሎ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር እንተኾይኑ፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝሞቱ 956 ሰባት ሓዊሱ ቁፅሪ መወትቲ ናብ 29 ሺሕን 341 ክዓቢ ክኢሉ።

ኣብ ፔሩ 164 ሺሕን 476 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና እንትተሓዙ፥ 4 ሺሕን 506 ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ቺሊ ድማ 99 ሺሕን 688 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተታሐዞም 4 ሺሕን 506 ድማ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.