Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ከይዲ ፈተነ ክታበት ካንሰር ትዛዝም ከምዘላ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመራመርቲ ሩሲያ ከይዲ ፈተነ ክታበት ካንሰር ይዛዝሙ ከምዘለዉ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ሚካሂል ሙራሽኮ ኣፍሊጦም።

እቲ ክታበት ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ኤፒዲሚዮሎጂን ማይክሮባዮሎጂን ጋማሌያ፣ ማእኸል ካንሰር ብሉኪንን ኢንስቲትዩት ምርምር ሄርሰን ኦንኮሎጂካልን ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ብደገፍ ገንዘብ መንግስቲ ዝግበረሉ እቲ ምርምር ክታባት ብዙሓት ጉጅለታት ሰብ ሞያ ሳይንስ ብሓባር ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ክታበት ቅድመ ቴክኒካዊ ፈተናታት የካይድ ከምዘሎን ናይ መጀመሪያ ውፅኢታት ኣብ መወዳእታ 2024 ዓ ም ፈ ከፍለጡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ምግላፁ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.