Fana: At a Speed of Life!

ዝተጠዓዓሙን ዝወቀቡን መልክዓት ህንፀት ንኣዲስ ኣበባ ይቕይሩዋ ኣለዉ – ም/ቀ/ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

አዲስ አበባ፣ ሰኔ 3፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተጠዓዓሙን ዝወቀቡን መልክዓት ህንፀት ንኣዲስ ኣበባ ይቕይሩዋ ኣለዉ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳሽ ክንገብራ ኢና ኢሎም ነይሮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፤ ቃል ብተግባር እናተፈፀመ ምዃኑ ማሊ ኣብ ዝገበርናዮ ዑደት ኣረጋጊፅና” ኢሎም።

“ሰፋሕቲ ጎዳናታት፣ ምቹው ናይ እግረኛታትን ብስክሌትን መንገዲታት፣ ሓምለዋይ ከባቢ፣ ንፁህን ዘበናዊን መናፅሂ ቦታታት፣ ዝተስማዕምዑን ዝወቀቡን መልክዓት ህንፃታት፣ ንኣዲስ ኣበባ ይቕይሩዋ ኣለዉ” ክብሉ ገሊፆም።

ቃል ብተግባር ኣብ ምቕያር ዝተሳተፉ ኣመራሮርሓታት፣ ለይቲን ቀትሪን እንተይደኸሙ ንዝፈፀሙ ሰብ ሞያ ሰራሕተኛታትን ከምኡ እውን እዚ ተግባር ብምድጋፍ ህንፃኦምን መንበሪኦምን ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ንዘወቀቡን ንዝደገፉን ሰብ ሃፍቲን ነበርቲን ምስጋና ከምዝግበኦም እውን ተዛሪቦም።

“ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ህዝቢ ሃንደበት ወፂኡ ንዘርአየና ፍቕሪን ክብሪን፣ ንዝሃቦ ምስክርነትን ነመስግን” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.