Fana: At a Speed of Life!

ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሪደር ብህፁፅ ንኣገልግሎት ክፍቲ ንምግባር እንኽእሎ ክንገብር ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተረፉ ስራሕቲ ኮሪደር ብህፁፅ ንኣገልግሎት ክፍቲ ንምግባር እንኽእሎ ክንገብር ኢና ከብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከባቢ ፒያሳ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋን ኣራት ኪሎን ምዝዛሞም ኣዘኻኺረን።

ነዚ ስዒቡ መስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕነድ(ዶ/ር)፣ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ገምጊምና ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ካብ ነባሪኣ እንትንርከባ ክነወቅባ፣ ክነልምዓ ቃል ኣቲና ኢና ጀሚርና ክብላ ገሊፀን።

ንትውልዲ ትመሓላለፍ፣ ርስሓትን ስንፍናን ዘይብላ ከተማ ከንገብራ ቃል ኣቲና ነይርና ቃልና ብምሕላው ተግባራዊ ገይርና ኣለና ኢለን።

ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር እንትንጅምር ሓቢረሙና ንዝተበገሱ፣ ንዝተሓባበሩ ሰብ ሃፍቲ፣ ንዘወቀቡ ሰብ ዋና፣ ብሙየኦም ንዝሓገዙ ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን አመስጊነን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.