Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ንፕሬዚዳንትነት ዝወዳደሩ ሕፁያት ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኢራን ንፕሬዚዳንታዊ መረፃ እታ ሃገር ዝወዳደሩ ሽዱሽተ ሕፁያት ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ዝወዳደሩ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሽዱሽተ ሕፁያት ኢዩ ዕላዊ ከምዝገበረ ተገሊፁ ዘሎ፡፡

ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኢራን÷ ኣብ ቀረባ እዋን ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኢብራሂም ራይሲ ብሓደጋ ሄሊኮፍተር ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ ነታ ሃገር ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ምምራፅ ኣገዳሲ ብምዃኑ ዝካየድ ኢዩ፡፡

ንፕሬዚዳንትነት ካብ ሞንጎ ዝወዳደሩ ሕፁያት ኣብታ ሃገር ብምክትል ፕሬዚዳንትነት እናገልገሉ ዝርከቡ ኣሚር ሆሴይን ቃዚዛዴህ ሃሺሚን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ሓላፍነት እናገልገሉ ዝርከቡ ከመዝርከቡዎም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.