Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ሀዝባዊ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ወላይታ ሶዶ ሀዝባዊ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “ካብ ተሓጋዛይነት ናብ ኣፍራይነት ንዝተማልአ ሃገራዊ ሉእላውነትን ክብሪን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

ሓላፊ  ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ፍቃዱ ተሰማ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኤሌማ ኣቡበከር፣ ሓጋዚ ተፀዋዒ መንግስቲ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዮሀንስ በየነ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።

እቲ መድረኽ፥ በቢከባቢኡ ዘለዉ ፀጋታትን ዓቕሚታትን ብምጥቃም ካብ ተሓጋዛይነት ዝደሓነ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዕላማ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብፍቅርተ ከበደ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.