Fana: At a Speed of Life!

ን10 ሺሕ መናእሰይ ስልጠና ክእለት ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ን10 ሺሕ መናእሰይ ኣብ ሽዱሽተ ዩንቨርስታት ስልጠና ክእለት ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይካየድ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዝካየድ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ጃይካ፣ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ፣ ሱሚቶምን ትካል ቴክኖሎጂ ዕዳጋን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ስትራቴጂዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዕላዊ ንምግባር ብምውዳድ ብምስራሕ ኣብ ህንፀት ኢኮኖሚ ሃገር ርኡይ ብፅሒት ዘለዎም መናእሰይ ስራሕ ዝምህዙሉ ከእለት ምሃብን ምቹእ ስነ ምህዳር ንክህሉ ምግባሩ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ዋና ኦፊሰር ስትራቴጂ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ማሳሂሮ ሚያሺታ፥ ንጉዕዞ ትራንስፎርሜሽን ዲጂታል ኢትዮጵያ ምዕዋት ኣስተዋፅኦ ንምግባርን ምህዞ ኣብ ምፍላጥ በድሆታት ሕብረተሰብ ዝፈትሑ ስራሕቲ ንምፍላጥ ዘለና ቁርፀኝነት ንምስማር ምትሕብባር ግድኡ ዝጎልሀ ኢዩ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.