Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብሽርክና ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብሽርክና ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሓሰን ኝስ ጉጅለ ትራንስፖርቲን ኢነርጂን ባንኪ ዓለም ዘቲዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ብብዝሓት ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፆም።

ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት እቲ ዓውዲ 148 ሺሕ ኣውቶሞቢላትን ልዕሊ 4 ሺሕን 800 ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ኣውቶብሳትን ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ጉጅለ ቴክኒክን ኢነርጂን ባንኪ ዓለም ብግድኡ፥ እቲ ሚኒስቴር ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንምስፋሕን ተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ዝገብሮ ፃዕሪ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ።

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብሽርክና ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.