Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ክልተኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻርን ከምዝተስማዕማዓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ፕሬዚዳንት ሲንጋፖር ታርማን ሽሙጋርተናም ተዛቲና” ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኢስታና ብምርኻብ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ሓሳብ ከምዝተለዋወጡን በዚ ድማ ሓጎስ ከምዝተሰመዖምን ገሊፆም፡፡

“ክልተኣዊ ርክብና ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻርን ተስማዕሚዕና” እውን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.