Fana: At a Speed of Life!

ስዑድ ዓረብ ኣበ መሰረተ ልምዓት ባቡርን ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየርን ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትደሊ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑድ ዓረብ ኣበ መሰረተ ልምዓት ባቡርን ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየርን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዴንጌ ቦሩ÷ ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ኣብ ዝተኻየደ ፎረም ኢንቨስትመንትን ንግዲን ኢትዮ-ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝተሳተፉሉ እዋን ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት ብዝምልከት ንሓለፍቲ ትራንስፖርት ስዑድ ዓረብን ንሰብ ሃፍቲን ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ሽዱሽተ ስትራቴጂክ ዕድላት ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ምስፍሕፋሕ ሎጂስቲክስ ከተማ፣ ምስፍሕፋሕ ባቡር፣ ኣገልግሎት ኣቪዬሽን፣ ኣገልግሎት ትራንስፖርት፣ መሰረተ ልምዓት መገዲን ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ወደብን ንኢንቨስተራት ክፍቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ልኡኽ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲከስን ስዑድ ዓረብን ሰብ ሃፍቲ ትካላት ትራንስፖርትን ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ዓብዪ ከምዝኾነ ምርደኦም ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ባቡርን ትራንስፖርት ኣየርን ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.