Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምዕራፍ ዘተ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት መብፅሒኦም ኣበይ ኢዩ?

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ምዕራፍ ዜተ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት መብፅሒኦም ኣበይ ኢዩ?

ብኣተሓባባራይነት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መድረኽ ምዕራፍ ዘተ ምፍላይ ኣጀንዳ ዛባታት ካብ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝተኣከቡ ይፍለጥ፡፡

እዞም ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ከ ብኸመይ መልክዕ ኢዮም ንጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ክቐርቡ?

  • ኣብቲ ምዕራፍ ዘተ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝእከቡ ኣጀንዳታት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል፣ ክልላት ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብሓባር ብምዃን ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ክቐርቡ ኢዮም፡፡

ብተመሳሳሊ ብካልኦት ኣማራፂታት ካብ ዜጋታት ዝመፅኡ ኣጀንዳታት እውን ነቲ ኮሚሽን ክቐርቡ ኢዮም፡፡

  • ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ዝቐርቡ ኣጀንዳታት እቲ ቤት ምኽሪ ኮሚሽን ብዘሰናድኦ ስርዓት ኣሰራርሓ መሰረት ብምግባር በቢመደቡ ፈልዩ የሰናድኦም፡፡
  • ዝተሰናድኡ ኣጀንዳታት ንጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ምቹው ብዝኾነ መልክዑ ኣብ መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ይሕንፅፆም፡፡
  • እቲ ኮሚሽን ዝሓንፀፆም ሓሳባት ኣጀንዳ ንህዝቢ ብምፍላጥን ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ተሳተፍቲ ዝኾኑ መዳርግቲ ኣካላት ብምዕዳምን ናይ መወዳእታ ዝኾነ ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ የካይድ፡፡

ኢትዮጵያ ትዝቲ ኣላ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.