Fana: At a Speed of Life!

ም/ ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዘሎ ምንቅስቐስ ስራሕ ብዝምልከት ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሙያን ፌዴሪኢ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓትን ውፅኢታት ኢኖቬሽንን ርእዮም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፥ ኣብቲ ኢንስቲትዩት ንምህዞ ሓሳብ መፈልፈሊን ንምርምርን ሙቹው ምህዳር ተፈጢሩ ኣሎ ኢለን።

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ኣታዊ ልምዓት እውን ብቑዓት ሰብ ሙያ የሰልጥን ከምዘሎ ተዛሪበን።

በቢዓመቲ 10 ሺሕ ተምሃሮ ብምስልጣን ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምፍልፋል ግድኡ ይፃወት ኣሎ ብምባል ኣብሪሀን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.