Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝፀንሐ ምፍላይ ኣጀንዳ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝሓለፉ 7 መዓልቲታት ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝፀንሐ ምፍላይ ኣጀንዳ ዛዕባ ዘተ ኣዲስ ኣበባ ብዕዉት ተፈልዩ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዝታይ ኣብ ቀፀልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ክዝተየሎም ይግብኡ ኢሎም ዝኣመኑሎም ዛዕባታት ብምትእኽኻብ ንቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን ከምዘረከቡ ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ገሊፆም።

እቶም መዳርግቲ ኣካላት ንዝሓለፉ መዓልቲታት ብሓሙሽተ ጉጅለ ተመቓቒሎም እናዘተዩ ከምዝፀንሑ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ በቢጉጅለኡ ዝቐረቡ ሓሳባት ኣጀንዳ ብምጥንኻርን ብምውዳብን ከም ሃገር ንዘለዉና ፀገማት መበገሲ ኢዮም ዝበሉዎም ጉዳያት ንምፍላይ ልዑል ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣልዒሎም።

“ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ተግባር ብሃገራዊ መንፈስ ይምከተኒ ዝተወገነ ብምዃኑ ዘይምርድዳኣት ብምዝርራብን ብምኽክርን ንምፍታሕ ንእንገብሮ ነዊሕ ጉዕዞ ሓደ ስጉምቲ ኢዩ” ኢሎም መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ተግባር ምፍላይ ኣጀንዳ ኣብ ቀፃሊ ብምግምጋምን ኣብ ክፍተታት መእረምታ ብምውሳድን ብተመሳሳሊ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣብ ክልላትን እቲ ከይዲ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም፡፡

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.