Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮሪያን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮሪያን ኣብ ዕድል ትምህርቲ፣ ልውውጥ ልምዲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ልኡኾምን ሪፐብሊክ ኮሪያን ዘለዎም ፃንሒት ብዝምልከት ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ካብ ኮሪያ ሪፐብሊክ ልምዲ ዝውሰደሎም ዑደታት ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ትምህርቲን ደቡብ ኮሪያ ሊ ጁ ሆ ኣብ ዝነበሮም ዘተ እውን ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ኣብ ምትሕብባር ዓውዲ ትምህርቲ ጠሚቶም ከምዝተዛተዩ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ “ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ምትሕብባራት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም” ኢሎም።

በዚ ድማ ኣብ ዕድል ትምህርቲ፣ ልውውጥ ልምዲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ምይይጥ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ብዝምልከት ልውውጥ ልምዲ ንምግባርን እቲ ቴክኖሎጂ ፍልጠትን እክለትን ኣብ ተግባር ንምውዓል ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ሪፐብሊክን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ዑደት እናተገበረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ምስ ዝኽእሉ ሰብ ሃፍቲ ኮሪያ ሪፕብሊክ ልዝብ ከምዝተገበረ ሓቢሮም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ሪፐብሊክ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዓለባ፣ ሓፂነ መፂንን ኣብ ምውሳኽ እታወት ቡንን ናይ ምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡

ብኣመለወርቅ ደምሰው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.