Fana: At a Speed of Life!

ተጊህና እንተሰሪሕና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ክንርእይ ኢና – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባርን ትግሃትን እንተሰሪሕና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ክንርእይ ኢና ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ኣገንዚበን።

ቀዳማይ ምዕራፍ መዛዘሚ ኣፈፃፅማን ካልኣይ ምዕራፍ ቀፃሊ ኣንፈትን ጠመተ ዝገበረ ኣብ 117 ከተማታት ዝትግበር መርሃ ግብሪ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር፥ ካብ 2018 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ 117 ከተማታት ዝትግበር ዘሎ መርሃ ግብሪ ትካላዊን ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓትን ከተማታት 859 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተሰለዐሉ ኣረዲአን።

ዕላማ እቲ መርሃ ግብሪ ንምዕዋት ኣብ ዝዕመም ዘሎ መደባት 2 ሺሕን 599 ኪሎ ሜትሮ በምንፃፍ እምንን ፀፀርን ከምዝተሃነፀ ሓቢረን።

ልዕሊ 1 ሺሕን 116 ንደኣንት ዝኾኑ ሼዳትን ማእኸላት ዕዳጋን እውን ከምዝተሃነፁ ተዛሪበን።

ብቤዛዊት ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.