Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ሕጊ ጥዕና ንሃንደበታዊ ለበዳ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ይሕግዝ ኢዩ- ዶ/ር መቅደስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕያሽ ተገይሩሉ ዝፀደቐ ዓለም ለኸ ሕጊ ጥዕና ንሃንደበታዊ ለበዳ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ህፁፅ ምላሽ ንምሃብ ይሕግዝ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ኣብ ጄኔቫ ስዊዘርላንድ ክካየድ ዝፀንሐ መበል 77 ጉባኤ ጥዕና ዓለም፥ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ ዝተመሓየሸ ዓለም ለኸ ጥዕና ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።
ዓለም ለኸ ሕጊ ጥዕና ብዋንኡ ኣብ ሕብረተሰብ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ሃገራት ድሉዋትን ምላሽ ኣወሃህባ ዓቅሚ ንምምሕያሽን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ለበዳታት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።
እዚ ድማ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብን ለበዳን እንተጋጥም ፍትሓዊ ዝኾነ ኣቕርቦት ንኽህሉን ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብቲ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ኣፍሪካ ብምውካል መደረ ዘስማዓ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ÷ “ዓለም ለኸ ሕጊ ጥዕና ሃገራት እንተተሓባቢረንን ብሓባር እንተሰሪሐንን ንሓበራዊ ዕላማ ብሓባር ጠጠው ምባል ከምዝከኣል ቀንዲ መርአዪ ኢዩ” ኢለን፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.