Fana: At a Speed of Life!

ሜክሲኮ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚዳንት መሪፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክላውዲያ ሺንባም ኣብ ታሪኽ ሃገረ ሜክሲኮ ብልዑል ድምፂ ብምስዓር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ብምዃን ተመሪፀን።

ክላውዲያ ሺንባም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ጥቅምቲ ንኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶርን ብምትካእ ፕሬዚዳንት ክኾና ኢየን ተባሂሉ።

ነበር ሳይንቲስት ኢነርጂ ሺንባም÷ ብሎፔዝ ኦብራዶር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምዘቐፅላ ቃል ኣቲየን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ደገፍቲ እተን ፕሬዚዳንት÷ “ፕሬዚዳንት ክላውዲያ ሺንባም ” ዝብሉ ባነራት እናውለበለቡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ ኣደባባይ ዞካሎ ሓጎሶም እናገለፁ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ሺንባም ንፕሬዚዳንትነት ቅድሚ ምውድዳረን ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ዝነበረ እንትኾና፥ ኣብታ ሃገር ልዑል ፅዕንቶ ካብ ዘለዎም ሓላፍነታት ሓደን መገዲ ፕሬዚዳንትነት ዝፀረገን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.