Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምውፋር ስራሕ ሃገራት ዓረብ ዝተዋፈሩ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ንዜጋታት ናብ ክሳራ የቃልዑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምውፋር ስራሕ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሕ ጉድኣትን ክሳራን ንምክልኻል እናተሰርሐ ይኹን እምበር ሕዚ እውን ዘይሕጋዊ ደለልቲ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናብፅሑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዜጋታት ዝሐሸ ኣታዊ ንምርካብ፣ ናብራኦም ንምምሕያሽን ስድረኦም ንምድጋፍን ናብ ሃገራት ዓረብ ንምኻድ ድሌት የርእዩ ኢዮም።

ዘይሕጋውያን ደለልቲ ድመ ነዚ ድሌት ብምጥቃም ብናፃ ዝወሃብ ምውፋር ስራሕ ሃገራት ዓረብ ንዜጋታት ብምትላል ዘይተተገበአ ወፃኢ ንኸውፅኡን ንክሳራን ክቃልዑ ኢሉ እውን ተስፋ ንኽስእኑ እናገበሩ ይርከቡ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝግበር ከይዲ ምውፋር ስራሕ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ካብቲ ስርዓት ዘውፅእ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ምትግባር ከምዝተጀመረ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኣይተ ብርሃኑ ዋለቃ÷ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝግበር ከይዲ ምውፋር ስራሕ ዘይሕጋዊ ደለልቲ ልዑል ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ካብ ክልላት ናብ ሃገራት ዓረብ ክኸዳ ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ እኹል ሓበሬታ ስለዘይብለን ብዘይሕጋዊ ደለልቲ ሰፊሕ ፀገም ከምዝበፅሐን ኣልዒሎም።

ምውፋር ስራሕ ሃገራት ዓረብ ብናፃ ከምዝወሃብ ብምግላፅ፥ ደለልቲ ግን ክፍተት ሓበሬታ ብምጥቃም ካብ 60 ሺሕ ክሳብ 100 ሺሕ ብር ከምዘኽፍሉ ኣብሪሆም።

ዘይሕጋዊ ደለልቲ ካብቲ ከይዲ ብምውፃእ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ምዝመዛ ንምውጋድ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሓዱሽ ኣሰራርሓ ምትግባር ከምዝጀመረ ተዛሪቦም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ናብ ሃገራት ዓረብ ክኸዱ ዝደልዩ ዜጋታት ፈለማ ናብ ኤጀንሲታት ይኸዱ ከምዝነበሩ ብምሕባር÷ በቲ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ግን ዜጎች ፈለማ ናብ ትካላት መሰልጠኒ ሞያ ክኣትዉ ግቡኦም ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.