Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ናብ ጊኒ ቢሳው ኣምሪሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ቢሳው ትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ንምግባር ናብ ከተማ ቢሳው ኣምሪሓ።

23 ተፃወትቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቶጎ (ሎሜ) ኣቢሉ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ከተማ ቢሳው ከከምዝበፅሕ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ጊኒ ቢሳው ቅድሚ ምምራሓ ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ናይ መወዳእታ ልምምድ ከምዝገበረት ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.