Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሄኑ ጁላ ኣብ ወታደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ሰልጠንቲ ሕፁያት መኮንናት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሄኑ ጁላ ኣብ ወታደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ሰልጠንቲ ሕፁያት መኮንናት ተዓዚቦም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ዑደቶም÷ “ሃገርና ዝመርሑ ዓበይቲ መራጀሕቲ ኣብ ዝሰልጠኑሉ ወታደራዊ ኣካዳሚ ብምስልጣንኩም ክትኮርዑ ይግባእ” ክብሉ ንሰልጠንቲ ተዛሪቦም፡፡

ቀዳሞት ቤት ትምህርቲ ጦር ሆለታ ገነት እናተምሃሩ ዝነበሩ ሰልጠንቲ ሕፁያት መኮንናት ፍላግ ምስለበሱ ንፅባሒቱ መናእሰይ እቲ ከባቢ ብምትሕብባር ንጦር ጣሊያን ከምዝሰዓሩ ኣዘኻኺሮም።

“ንስኻኩም እውን ናታቶም ኣሰር ተኸቲልኩም ኣብ ሃገርኩም ክፍኖ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብብቕዓት ክትዋፅኡ ትኽእሉ ጥንኩራት መራሕቲ ክትኮኑ ስልጠናኹም ብሕዚኡ ብብቕዓት ክትዋፅኡ ይግባእ” ኢሎም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ ወታደራዊ ኣካዳሚ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ሕርሻን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝተዓዘቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.