Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

እቲ ጎንፂ ኣብ ሞንጎ ተቓወምቲን ደገፍቲን መንግስቲ ኤርትራ ብዝብል ኣብ ክልተ ጉጅለ ብዝተኸፈሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጠረ እንትኸውን÷ ሓደ ሰብ ብበሊሕ ነገር ተወጊኡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስን ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣረጋጊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓሙሽተ ሰባት በቲ ጎንፂ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ካብቶም ሓሙሽተ እቶም ሰለስተ ናብ ሞት ዘብፅሕ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ኣተኣናጊዶም ተባሂሉ፡፡

እቲ ጎንፂ ስዒቡ ፖሊስ እስራኤል 20 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለን ህይወቱ ዝሓለፈ ሰብ ብዝምልከት ምርመራ እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ብተመሳሳሊ ጉጅለ ብዝተፈለዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝተፈጠረ ጎንፂ ፖሊስ ኦፊሰር ሓዊሱ 70 ሰባት ከምዝተጎድኡ ዝሓበረ ፀብፃብ ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.