Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕናን ንምቕራብ ሓገዝ ንኽግበር ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕናን ብዝተማለአ መልክዑ ንምቕራብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ ዝምልከቶም መሓዙትን መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ እናተኻየደ ብዘሎ መበል 77 ጉባኤ ጥዕና ዓለም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ጥዕና ኣመልኪታ መግለፂ ኣቕሪባ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ኣገልግሎት ጥዕና ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከምዝኾነ ኢትዮጵያ ብፅኑዕ ከምትኣምን ገሊፀን፡፡

ዓለም ለኸ ተበፃነት ኣገልግሎት ጥዕና ኩሉ ክገድፎ ኣይግባእን” ብምባል፤ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣፈላላይን ዶብ እንተይዓገቶ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ቤተሰብ ማእኸል ብምግባር ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ጥዕና ብፍላይ ኣብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ኣብ ገፀርን ርሕቕ ኣብ ዝበሉ ከባታትን ንዘለዉ ዜጋታት ሓዊሱ ግንዘበ ብምፍጣርን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ብምቕራብ ዘዕግቡ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፀን።

ብፍላይ ኣብ ምምሕያሽን ምንካይን ሞት ኣዴታትን ህፃናፃ፣ ኮቪድ- 19ን ሓዊሱ ተመሓላለ ዝኾኑ ሕማማት ኣብ ምክልኻን ምቁፅፃርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ቀሊል ዘይበሃል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪበን፡፡

ሓደጋታት ጥዕና ዝፃወርን ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብ ጥንኩር ስርዓት ጥዕና ንኽህነፅ ሕዚ እውን ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ምግላፀን እውን ካብቲ ሚኒስቴ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓዊሱ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም መሓዙት ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.