Fana: At a Speed of Life!

ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዘይ ገደብ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዘይ ገደብ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ መተግበሪ ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብቐጥታ ሓገዝ ንኽገብሩ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፣ ቤት ምኽሪ መሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያን እቲ መተግበሪ ኣመልኪቶም ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ባንኪ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ዝተጀምረሉ እዋን ጀሚሩ ልዕሊ 320 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ነቲ ግድብ ዝወሃብ ልቓሕ 9 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን (Itsmydam.com) ዝተሰመየ መተግበሪ ኣመሓይሹ ብምስንዳእ ኢትዮጵያውያን ገንዘብ ብምውፃእ ካልኦት ካልኦት ንኸዋፅኡ ኢሉ እውን ሓገዝ ዝገብሩሉ ስርዓት ከምዝዘርገሐ ኣብሪሆም።

እቲ መተግበሪ ኢትዮ-ዳይሬክት ምስ ዝተብሃለ መተግበሪ ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ዜጋታት ምስታፍ ንኽኽእሉ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.