Fana: At a Speed of Life!

ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ናብ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሱቱሜ ኣሰፋ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ዝሳተፍ ጉጅለ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ተፀምቢራ።

እታ ኣትሌት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 8 ግንቦት ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብማራቶን ዝውክሉ ኣትሌታት ሽም ዝርዝር ዕላዊ እንትገብር እንተይተኻተት ምትራፋ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ እታ ኣትሌት ንኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያን ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያን ቅርታ ኣቕሪባ ነይራ።

ብመሰረት እዚ ዘቕረበቶ ቅርታ ተቐባልነት ብምርካቡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ብማራቶን ዝውክሉ ኣትሌታት ናብ ዝርከቡሉ ሆቴል ንኽትፅምበር ተወሲኑ።

ሱቱሜ ኣሰፋ ኣብ 2024 ማራቶ ቶኪዮ 2 ሰዓት 15 ደቒቕን 55 ሰከንድን ብምእታው ከምዝተዓወተት ይዝከር።

ብወርቅነህ ጋሻሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.