Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ መላኩ ምትሕብባር መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ዓውዲ ምፍራይ ንምዕባይ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ዓውዲ ምፍራይ ንምዕባይ ወሳኒ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝረኣዩ ፀገማት ዝጠመተ መድረኽ ምይይጥ መንግስቲን ዘፈር ውልቀን ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ትካላት ዝፈትሑ ዘፈር መንግስቲን ውልቀን ብሓባር ምስራሕ እንትኽእሉ ኢዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ሞንጎ ውልቀ ዓውዲን መንግስቲን ምትእምማን ንምፍጣር፣ ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ከምኡ እውን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምምሕያሽ ከምዘኽእል ገሊፆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምፍጣር እቲ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ንኽዋፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኤፍሬም ምትኩን ቤተልሄም መኳንንትን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.