Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ምንቅስቓሳት ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ቆራፅነቱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ምንቅስቓሳት ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገበሩ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ውሕመን መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ዶ/ር ራሚዝ ኣላክባሮቭ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ሚኒስትርን ሓጋዚ ዋና ፀሓፊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንትልሚታት ሃገራዊ ልምዓት ዝገብሮ ሓገዝ ንኸዕቢ ኣብ ዘኽእሉ መመሓየሺታት ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣብ ሞንጎ ውሕምን ኢትዮጵያን ዘሎ ምሕዝነትን ምትሕብባር ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሃገራዊ ፃዕሪታት ልምዓት ምሕጋዝን ንሰብኣዊ ኩነታት ምላሽ ምሃብን ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ሃናፂ ምይይጥ ከምዝገበሩ እውን ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራዊ ዓውዲታት ትልሚ ትኹረት ንምግባር ብምውዳድን ብውፅኢታዊነትን ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.