Fana: At a Speed of Life!

ተፀዋዕቲ ትካላት ቀዳማይ ሚኒስትር ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 9 ኣዋርሕ የሳልጣ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፀዋዕቲ ትካላት ቀዳማይ ሚኒስትር ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 9 ኣዋርሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ የሳልጣ ኣለዋ።

ኣብቲ ገምጋም ተፀዋዕቲ ትካላት ሃገራዊ ኢኒሼቲቫት ልምዓትን ለውጢን ትካላት መርኣያ ብምዃን ዝፍፅምኡ ዘለዋ ከይዲ ብዝርዝር ክግምገም ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብቲ ገምጋም ኣመፃፅማ መደባት ብዝርዝር ብምድህሳስ ንቐፃሊ ልኡኽ ምድላው ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እተን ትካላት፥ ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ኩለ መዳያዊ ምዕራፍ ንምሽጋር ዝትግበሩ ዘለዉ ሃገራዊ ትልሚታት ኣብ ምዕዋት መርኣያ ክኾና ኣለወን ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ንኣብነት፥ መንግስቲ ኣገልግሎትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምምሕያሽ ዝጀመሮ ሪፎርም ስቪል ሰርቪስ ንምዕዋት ብቐዳምነት ከምዝንቀሳቐስ ሓቢሮም።

ከም ሃገር ናብ ዲጅታላይዜሽን ዘግበር ሽግግር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብውፅኢት ምምራሕ ትፅቢት ይግበር ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.