Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ መሪሕ እቲ ሊግ ዝኾነት ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንጋንታ ወላይታ ድቻ 5 ን 0 ብዝኾነ ሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስኢራታ።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተገበረ ፀወታ÷ ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንኽትዕወት ፍፁም ግርማይ (ኣብ ናይ ባዕሉ መረብ)፣ ባሲሩ ዑመር፣ ሳይመን ፒተር፣ ኤፍሬም ታምራትን ኪቲካ ጀማን ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ነጥባ 53 ብምብፃሕ ከብ ተኸታሊታ መቻል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ እንትተስፍሕ ወላይታ ድቻ ኣብ ዝነበረበቶ ኣብ መበል 12 ደረጃ ተቐሚጣ፡፡

መበል 25 ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ሎሚ ምሸት ቀፂሉ ዝካየድ እንትኸውን÷ ፋሲል ከነማ ምስ ወልቂጤ ከተማ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.