Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ንዓውዲ ኣርቲፊሻል ምስትውዓል ግቡእ ትኹረት ንኽትህብ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ትኽክለኛ ድምፃ ንኽተስምዕ ሃገራት ኣፍሪካ ንዓውዲ ኣርቲፊሻል ምስትውዓል ግቡእ ትኹረት ንኽህባ ፃውዒት ቀሪቡ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን፣ ሓለፍቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካብ መላእ ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ዝዝቲ 3ይ ኮንቬንሽን ሚዲያ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ኣክራ እናተኻየደ ይርብ።

ኣፍሪካዊ ሓበሬታታት ንኣርቴፍሻል ምስትውዓል እታወት ብዝኸውን መልክዑ ብምስንዳእን መፃኢ ጉዕዞ ቴክኖሎጂ እታ ኣህጉር ኣብ ምቅልጣፍን ሚዲያ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብቲ ጉባኤ ተላዒሉ።

ናይዚ ዓመት ጉባኤ÷ ኣብ ተበፃሕነትን ናፅነትን ሚዲያ ከምኡ እውን ንሚዲያ ብኢኖቬሽንን ኣርቲፊሻል ምስትውዓልን ምሕጋዝ ዝብሉ ዛዕባታት ሒዙ።

ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣርቲፊሻል ምስትውዓል ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽን ዝወገነቶም ተግባራት ብዝምልከት ልምዳ ከምተካፍል ካብ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.