Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ገይረን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ላዕለወ ትምህርቲ ፓኪስታን ሙክታር ኣህመድ (ዶ/ር) ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ጀማል፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ብዲፕሎማሲ ትምህርቲ ንምጥንኻር ልዑል ባህጊ ኣሎ ኢሎም።

ትሕብብር ዓውዲ ትምህርቲ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘላቒ ርክብ ንክፍጠር ሓገዝ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ሙክታር ኣህመድ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኩለ መዳያዊ ደገፍ ከምዝገብሩ ምዝራቦም ኣብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.