Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘለዎም ተሳትፎ ንምዕባይ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘለዎም ተሳትፎ ብዝበለፀ ንምዕባይ እናተሰርሐ ምዃኑ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ ገሊፆም።

እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካብ ቻይና ግዝኣት ሁናን ምስ ዝመፅኡ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ዝተዛተዩ እንትኾኑ÷ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝርዝር ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ዓውዲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ማዓድንን ንምስታፍ ድሌት ምስ ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢንቨስትመንት ዘድሀበ ልዝብ ተኻዱ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ጥንኩር ርክብ ኢንቨስትመንት ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምጥንኻርን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተበረሎም ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.