Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስርዓተ ምግቢን ፍኖተ ካርታ ስነ-ምግቢን ኢትዮጵያ ዝጠመተ ምኽክር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ መሓዙት ልምዓትን ኣብ ስርዓተ ምግቢን ፍኖተ ካርታ ስነ-ምግቢን ኢትዮጵያ ዝጠመተ ምኽክር ኣካይዶም።

ብሚኒስቴር ሕርሻን ሚኒስቴር ጥዕናን እናተመርሐ ዝርከብ ፍኖተ ካርታ÷ እታ ሃገር ሕዚ ትርከበሉ ኣሰራርሓ ምግቢን ከይዲ ስነ-ምግቢን ንምልዋጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ብሸውዓተ ክላስተራት ዝተወደቡ 24 ናይ መፍትሒ ሓሳባት ዝፈለየ እንትኸውን፤ ብሽዱሽተ ወሰንቲ መሓዙት እናተደገፈ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

ንሃገር ለኸ መዳርግቲ ኣካላት ተግባራዊ መምርሒ ብምዃን ዘገልግል ኢዩ ዝተባሃለሉ ፍኖተ ካርታ፥ ፃዕሪታት ናብ ሓደ ሓበራዊ ራኢ ስርዓተ ምግቢን ስነ-ምግቢን ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

መንግስቲ መሓዙት ልምዓት ኣብ ኩሉ ፍኖተ ካርታ ስርዓተ ምግቢን ስነ ምግቢን ንምምሕልላፍ ዘለዎ ቆራፅነት ምርግጋፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.