Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ሜዳይ፣ ኒሻንን ሽልማትን መርሚሩ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣዋጅ ሜዳይ፣ ኒሻንን ሽልማትን መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ጉዳያት ሰላምን ዲማ ኖጎ (ዶ/ር)፥ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣፍሪካን ዓለምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝረብሕ ዝለዓለ ተግባር ዝፈፀሙ ውልቀሰባት፣ ጉጅለታትን ኣካላትን ኣፍልጦ ብምሃብ ትውልዲ ምልዕዓል ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ኣዋጅ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ መፈፀሚ ኣዋጅ እንተይወፅአሎም ዝወሃቡ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ሜዳይ፣ ኒሻንን ሽልማትን ብምትራፍ ስሩዕ ብዝኾነ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንክህሉ ምግባር ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ ኣዋጅ ምስንድኡ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ባይቶ ዝተውሃቦ መብርሂ ብምቕባል ኣዋጅ ቁፅሪ 1325/2016 ዝብል ስያመ ብምሃብ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.